Guide: Roles and Expectations in the Unaccompanied Refugee Minor (URM) Program - Tigrinya
Guide: Roles and Expectations in the Unaccompanied Refugee Minor (URM) Program - Tigrinya
ጠቐምቲ ሓቅታት (ፋክት ሺት) መምርሒ (ጋይድ)፡ ተራን ትጽቢታትን ኣብ ፕሮግራም ሰናዩ ዘይብሎም ትሕቲ ዕድመ ስደተኛታት (ዩኣርኤም)
FACT SHEET
ፕሮግራም ዩኣርኤም ብኸመይ ክሕግዘካ ይኽእል?
ፕሮግራም ዩኣርኤም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ወላዲ፣ ሕጋዊ ኣላዪ ወይ ዘመድ ዘይብሎም፣ ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘይክእሉ ስደተኛታትን ካልኦት ብቑዓት መንእሰያትን ክንክንን ሓለዋን ይህብ።
ፕሮግራም ዩኣርኤም ናይ ክንክን ምድላዋት ክህበካ እዩ-መዕበዪ ህጻናት (ፎስተር ሆምስ)፣ ናይ ጉጅለ ገዛውቲ (ግሩፕ ሆምስ)፣ ክትትል ዝግበረሉ ነብስኻ ክኢልካ መነባብሮ (ሱፐርቫይዝድ ኢንዲፐንደንት ሊቪንግ)፣ ወይ ድማ ምስ ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ኣዝማድካ ምጥርናፍ የቕርብ። ብተወሳኺ፣ ኣገልግሎታት ሕክምና፣ ሕክምና ስኒ፣ ደሕንነት ስምዒትን ጥዕና ኣእምሮን ሓዊሱ ድሌታትካ ንምምላእን ክትስስንን ክሕግዘካ ኣገልግሎታት፣ ናይ ትምህርቲ፣ ኣብ ሓድሽ ባህሊ ነብስኻ ክኢልካ ምንባር ዝምልከት ትምህርቲ፤ ከምኡ’ውን ብሄርካ፣ ባህላዊን ሃይማኖታውን ውርሻታትካ እናኽበርካ ምስቲ ሓድሽ ከባቢኻ ክትላመድን ኣካል ናይቲ ሓድሽ ማሕበረሰብካ ክትከውንን ዝሕግዘካ ኣገልግሎታት የቕርብ።
ኣብ ፕሮግራም ዩኣርኤም ዘለዎ ተራታትን ትጽቢታትን እንታይ እዮም?
ፕሮግራም ዩኣርኤም ንዓኻን ንኻልኦት ኣብ ክንክንካ ዝሳተፉ ሰባትን ውሑስን ጥዕና ንኽህልወካን፣ ኣብ ኣመሪካ ሕጋዊ ናይ ኢሚግሬሽን ፍቓድ ንኽትረክብ፣ ከምኡ’ውን ብኸመይ ነብስኻ ክኢልካ ክትነብር ከም እትኽእል ክትመሃር ዝሕግዙ ትጽቢታትን መምርሒታትን (ሩልስ) ኣለዎ። እቲ ፕሮግራም ብቤት ጽሕፈት ዳግመ-ምጥያስ ስደተኛታት (ኦኣርኣር) ዝምወል ኮይኑ፣ እቲ መምርሒታት ናይቲ ፕሮግራም ግን ከከም ስቴቱ (ግዝኣታት) ይፈላለ እዩ።
ካባኻ እንጽበዮ
- ናይ ፕሮግራምካ፣ ቤት ትምህርቲን ስራሕን (ትሰርሕ እንድሕር ሃሊኻ) ዘድልዩ ረቛሒታትን ትጽቢታትን ተማሃርን ተኸተልን።
- ምስቲ ዝተመደበካ ኣካያዲ ጉዳይ (ኬዝ ማናጀር) ብቐጻሊ ተራኸብን ተዛተን።
- ኣብ ፕሮግራም ዩኣርኤም ምስ ዘሎ ኹሉ ሰብ ኣኽብሮታዊን ክፉትን ልዝብ ተጠቐም፡
- ድልየታትካን ዊንታታትካን ግለጽ
- ሸቶታት ኣብ ምቕማጥን ንመጻኢኻ ኣብ ምውጣንን ተሳተፍ
- ናይ ጉጅለ ገዛኻ መምርሒታት ኣባይቲ (ሃውዚንግ ሩልስ) ተኸተል-ብዛዕባ ናበይ ከም እትኸይድን እንታይ ከም እትገብርን ብቕንዕና ሓበሬታ ኣካፍል
- ኣብ ቆጸራታትካ ተሳተፍ ወይ እኹል ምልክታ ሂብካ ቆጸራታትካ ሰርዝ።
- ነብስኻ ክኢልካ ንኽትነብር ዓሊምካ ገስግስ።
- ኣብ ዘይሕጋውን ውሑስ ዘይኮነን ንጥፈታት ኣይትሳተፉ።
ካብ ኣለይቲ እንጽበዮ
- ኣለይቲ መዕበይቲ ወለዲ (ፎስተር ፓረንትስ)፣ ሕጋውያን ሞግዚታት (ሊጋል ጋርድያንስ) ወይ ሰራሕተኛታት ናይ ጉጅለ ገዛ (ግሩፕ ሆም) ከጠቓልሉ ይኽእሉ።
- ንጹር መምርሒታትን ትጽቢታትን የቐምጡ።
- ከም መግቢ፣ ክዳውንቲ፣ ናውቲ ጽሬትን፣ ውሑስ መደቀሲ ቦታን ዝኣመሰሉ መሰረታዊ መዓልታዊ ድሌታት ይቕርቡ።.
- ናብ ደጋፊ ስድራቤታዊ ሃዋህው ወይ ንእሽቶ ጉጅለ ገዛ (ስሞል ግሩፕ ሆም) ቅርጺ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ይብሉ።
- Welcome you into a supportive family environment or small group home structure.
- ትምህርትኻ የመቻችዉ፣ ኣብ ቤት ትምህርቲ እትገብሮ ምዕባለ ይከታተሉ፣ ከምኡ’ውን ነብስኻ ክኢልካ ክትነብር ክትዳሎ ይሕግዙ።
- ኣለይቲ ምስቲ ዝተመደበልካ ኣካያዲ ጉዳይ (ኬዝ ማናጀር) ክረዳድኡ ይግባእ።
ኣካየድቲ ጉዳይ (ኬዝ ማናጀርስ)
- ምሳኻ ብቐጻሊ ይራኸቡን ይዛተዩን።
- መሰረታዊ ድሌታትካ ምምሉኡ የረጋግጹ። ኣካየድቲ ጉዳያት ንኣባይትኩም፣ ትምህርትኹም፣ ጥዑይን ግቡእን መግቢኹም፣ ክዳውንትኹም፣ ክንክን ጥዕናኹም፣ ንዕድመ ዝምጥን ክትትልኹም፣ ናብ ቆጸራታት ዝግበር መጓዓዝያ፣ መዘናግዒ ንጥፈታት ምርካብኩም፣ ባህላዊ ምትእስሳርን ምዕቃብ ብሄራዊ ቅርስታትኩምን፣ ሃይማኖታዊ ኣገልግሎታትኩም፣ ከምኡ’ውን ክንክን ጥዕና ኣእምሮኹም ከወሃህዱን ክከታተሉን እዮም።
- ምስ ኣለይትኻ ብምትሕብባር ውልቃዊ ውጥን ኣገልግሎት የዳልዉ፣ ናብ ነብስኻ ክኢልካ እትነብረሉ ኩነታት ንምብጻሕ ይሰርሑ።
- ዕድላት ምጥርናፍ ስድራቤት ይድህስሱ።
- ንትምህርታዊ፣ ባህላዊ፣ ሕክምናዊ፣ ከምኡ’ውን ኢሚግሬሽን/ሕጋዊ ኣገልግሎታት ይሟገቱ።
ጠበቓታት
ምስ ጠበቓ ዝግበር ርክብ ኣብ ፍሉይ ድሌታትካ፣ ናይ ኢሚግሬሽን ጉዳይካ፣ ከምኡ’ውን ኣብቲ ዘለኻዮ ስቴት ዝጠልቦ ናይ ቤት ፍርዲ ጠለባት ይምርኮስ። ገለ ስቴታት (ግዝኣታት) ተወሳኺ ወከልቲ ክህልወን ይኽእል እዩ፣ ንጉዳይካ ዝሕግዙ ከም ብቤት ፍርዲ ዝተመዘዘ ፍሉይ ተሟጋታይ (ካሳ) ወይ ጠበቓ ዝኾነ-ድልየታትካ ክትረክብ ዝጣበቐልካ (ጋርድያን ኣድ-ላይተም) (ኤልጂኤኤል)።
- ጠበቓታት ኢሚግሬሽን ሕጋዊ ናይ ኢሚግሬሽን ፍቓድ ንምርካብ ክሕግዙኻ ይኽእሉ፣ ብዛዕባ ኢሚግሬሽን ወይ ካብ ሃገር ወጻኢ ዝግበር ጉዕዞ ንዝቐርቡ ሕቶታት ኣብ ምምላስ ክሕግዙኻ ይኽእሉ፣ ወይ ምስ ዝኾኑ ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ዝግበር ርክብ ክመኽሩኻ ይኽእሉ።
- ጠበቓታት ጽግዕተኛነት (ዲፐንደንሲ ለውየርስ) ኣብ ቤት ፍርዲ ጽግዕተኛነት (ዲፐንደንሲ ኮርት (ናይ ትሕቲ ዕድመ ኮይኖም ዝበደሉ ጉዳይ ዝርኢ ቤት ፍርዲ (ጁቨናይል ኮርት)) ክውክሉኻን መምርሒታት ቤት ፍርዲ ጽግዕተኛነት ንምርዳእ ክሕግዙኻን ይኽእሉ። (ናይ ጽግዕተኛነት ቤት ፍርዲ ክትትል ካብ ስቴት ናብ ስቴት ዝተፈላለየ እዩ።)
ናይ ቃልን ጽሑፍን ኣተርጎምቲ
- ኣብ ቆጸራታት ከም ኣድላይነቱ ብኣካል፣ ቢንተርኔት (ቨርቹዋል) ወይ ብተሌፎን ካብን ናብን እቲ ዝመረጽካዮ ቋንቋ ይትርጉሙ፤ ከምኡ’ውን ባህላዊ ርድኢት ይህቡ።
- ከም ኣድላይነቱ ፕሮግራምን ካልኦት ሰነዳትን የተርጉሙ።
- ሓበሬታኻ ብምስጢር ብምሓዝ ጽኑዕ ምስጢራውነት ይኽተሉ።